ʏɪʜᴅᴇɢᴏ_ᴀʏᴋᴇʙᴇᴛsᴋᴜɴ_ɢᴇɴᴀ 🎧 sound effects free download

By c_1_9_9_5_

4 Downloads

3 weeks ago

34 seconds

c_1_9_9_5_ Sound Effects

About ʏɪʜᴅᴇɢᴏ_ᴀʏᴋᴇʙᴇᴛsᴋᴜɴ_ɢᴇɴᴀ 🎧 Mp3 Sound Effect

ʏɪʜᴅᴇɢᴏ_ᴀʏᴋᴇʙᴇᴛsᴋᴜɴ_ɢᴇɴᴀ 🎧 ኪኖ'ቲ ግጥምታት ዜማታትን ናይ ይሕደጎ ዘሎ ታሪኽ። ኣነ ንይሕደጎ ዝፈልጦ ቆልዓ ከለኩ ምስ ፋዘረይ ይዕሩኽ ከለው'ዩ። ንሳቶም ግን ካብ ብንእስነቶም 1988 ካብ ሜዳ ኣትሒዞም'ዮም ዝፋለጡ። ብድሕሪ ናጽነት'ውን ኣይተፈላለዩን ዕርክነቶም ቤላ'ዩ ቀጺሉ። ምስ ይሕደጎ ብሓንሳብ ኣብ ሓንቲ ገዛ ንነዊሕ ዓመታት ተቀሚጥና ኢና። ካብ ክልቲኦም ናይ ኣቦነት ፍቅሪ እንዳርኣኩ ሓንቂቐ'የ ዓብየ። ዳርጋ ሓውቦይ ኮይኑ ክሳብ ዝስምዓኒ ከምኡ'ዩ ነይሩ ንዓይ ይሕደጎ። ባባ ንፉዕ ገጣምን ዜያምን ከምኡ'ውን ኩሉ መሳሪሒ ሙዚቃ ይጻወት ስለዝነበረ ምስ ይሕደጎ ኮይኖም ምሉእ ለይቲ ዜማን ግጥምን ክሰርሑ'ዮም ዝውዕሉ፣ ብፍላይ ሓድሽ ስራሕ ኣብ ዝሰርሕሉ ብvocal ኣብ ሬድዮ ብካሴት ኣንዳመለኡ'ዮም ዝሰርሑ ኔሮም፣ ካብቲ ዘይርስዖ ድማ ጎሮባብቲ ገዛና ክርብሹን ከዕገርግሩን ከለው ዳርጋ ኩሉ ግዜ መረረ ናይ ጎሮባብቲ ንገዛና ይበጽሕ ከምዝነበረ ይዝክር። ክሳብ ሕጂ ከማን መሰካክር እየን ኣንስቲ ገዛውትናን (ዝኣረጋ ሬዲዮታትን፣ ብደርፊ ደረጃ ዘይተሰርሑ ፋሕ ዝበሉ ካሴታትን)። ባባ ንይሕደጎ ብዙሕ ግጥምታት ከምዝሰርሓሉ ጽብቅ ጌይረ'የ ዝፈልጥ ክሳብ'ዛ ባባ ዝተሰዋእላ ዕለት ድማ ባዕሉ ይዛረብን ይነግረናን ነይሩ። ካልእ ይትረፍ እታ "ሳሌማ" ትብል ምሉእ ብምሉእ ናይ ባባ ግጥምን ዜማን'ያ፣ ንሳ ክኣ ብናይ ወላዲተይ ሽም ዝተገጥመት ስራሕ'ያ ነይራ። ባባ ንወላዲተይ ስለዝሰርሓ: ከምኡ'ውን በቲ ትፈትዎ ድምጻዊ ዓርኪ ብዓልቤታ (ይሕደጎ) ብምድራፋ ክኣ ክሳብ ሕጂ ብኩርዓት'ያ ትዛረብ ማማ (ወረ ኣይርእየና ንሳ ጌይራ ትብጥረሞ)። ኩሉ ግዜ ክኣ በታ ደርፊ (ሳሌማ) ትብል ይሕደጎ ባዕሉ ንማማ ይግብኣኪ'ዩ ይብላ ነይሩ። ግን እዚ ኩሉ ምስ ሓለፈ እሞ ክኣ ነቲ ሓቂ ብቀረባ ዝዝክሮን ዝፈልጦን ኣብዚ ከለኩ ባዕለይ፣ ካብ ካልኦት ሰባት ካልእ ታሪክ ባዛዕብኡ ክሰምዕ ከለኩ ናይ ብልቢ "ቂር" ይብለኒ.... 😔 ብዝኮነ ኮይኑ ኣብ መወዳእትኡ ግን ንክልቲኡም ንባባን ንይሕደጎን ዓለም ኣይጥዓመቶምን ጌና ከለው ተፈልዮምና። 😔 ብዛዕባ ይሕደጎ ግን ልዕሊ እቲ ዝዓበየሉ ገዛውቱን ገዝኡን ኣብ ገዛና ኣሎ ታሪኹ። ቐጺለ ንይሕደጎ ድሕሪ መስዋእቱ'ውን ኣይገደፍክዎን፣ ኣብ እንዳዜና 'ፎርቶ' ስለዝነበረ ገዛውተይ፣ ናብ መቃብር ሓርበኛታት ኣስመራ ጥቃና ስለዝነበረ ብቐረባ እንዳተመላለስኩ ካብ 2008 ጀሚረ ንልዕሊ 9 ዓመታት ዝከውን ንመቃብር ይሕደጎ ኣጽሪየ ሓጺበ፣ዕንበባ ኣውዲቐን፣ ሽማዓ ወልዒላን'የ። ክሳብ ሕጂ'ውን ንኣስመራ ደዊለ ንኣዕሩኩተይ 20ሰነ ክከውን ከሎ ግድን ብጽሕዎ ኢለ ይድውለሎም'የ (በቃ ይሕደጎ ናተይ ሓላፍነት ኮይኑ'ዩ ዝስምዓኒ) እዚ'ዩ እቲ ሓቒ ካልእ ሓቒ የለን ኣይክህሉ'ዩ ድማ። እዚ ኩሉ ዓመታት ከምዚ ክገብር ከለኩ ግን ሓደ መዓልቲ ካብ ወገን ናይ ይሕደጎ ሰብ ረኪበ ኣይፈልጥን'የ፣ ስድራቤቱ ወይ ይዕርኩቱ ክመጽኡኒ ወትሩ'የ ዝጽበ ነይረ ግን ንፈውሲ መሓላ'ኳ ሓደ ዝተቐልቐለኒ ኣይነበረን፣ ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዛዕባ ይሕደጎ ክልዓል ከሎ ሓንቲ መዓልቲ ዘኪሮሞ ዘይፈልጡ ብብኣፎም ከምዝጥዕሞም ጌሮም ከምዚ እባ ከምቲ'ባ ክብሉ ከለዉ ካብ ልቢ ብልቢ ይስምዓካ 💔 እቲ ዘሕዝነካ ክኣ'ሞ 'ቲ ዓቢ ኮኮብ ተፈጢሩ ከምዝነበረ ረሲዖሞ 😔 ብሰላም ዕረፍ ድሓን ኩን ኣያኒ ፣ ወትሩ ኣብ ልበይ ኣለካ🥺😣                ካልእ መዓልቲ ብዛዕብኡ ዕሙቅ ዝብለ ታሪኹ ሒዘ ክምለስ'የ፣ ክሳብ ሽዑ ብሰላም ንሰንብት ጠጥዕሙ።                              ✨ ᴄʜᴀʀɪᴛᴇʏ✨ #eritreantiktok🇪🇷🇪🇷habesha #eritreanmusic #habeshatiktok #habesha #eritreantiktok #yihdego_Aykebetskun_gena #creatorsearchinsight
ʏɪʜᴅᴇɢᴏ_ᴀʏᴋᴇʙᴇᴛsᴋᴜɴ_ɢᴇɴᴀ 🎧 Sound Effects Free Download. Sound Effects Downloader To Help You Download The Highest Quality ʏɪʜᴅᴇɢᴏ_ᴀʏᴋᴇʙᴇᴛsᴋᴜɴ_ɢᴇɴᴀ 🎧 Sound Effects Free Download For TikTok Videos. You Just Search Sound Effects And Download.

My You Like It