#Haile_Gebru__kemey_Aleki 💔🎼 ዋጋ ጌጋ ርድኢት! sound effects free download
By c.h.a.r.u.1
0 Downloads
11 months ago
52 seconds
About #Haile_Gebru__kemey_Aleki 💔🎼 ዋጋ ጌጋ-ርድኢት! Mp3 Sound Effect
#Haile_Gebru__kemey_Aleki 💔🎼 ዋጋ ጌጋ-ርድኢት! • • ልኡም ንፋስ ይነፍስ ምንባሩ ፣ ነቶም ብውህደት ቃና ተፈጥሮ ፡ ለዚቦም ዝወዛወዙ ዝነበሩ ኣግራብ ርእየ ክፈልጥ ክኢለ ነይረ’የ። "ተፈጥሮ ፣ ዝሰምዓኣ ኣእዛን እንተረኺባ ፣ ልክዕ ከም ናይ ሃይለ ገብሩ ዜማታት ጥዕምቲ’ያ።!" ዝብሉኒ ዝነበሩ መሲሉኒ ፍሽኽ በልኩ። ፍቕረይ .. ፍሽኽታይ ርእያ ፣ ዓጸፌታ ክትምልሰለይ ኣይደንጎየትን ጥራይ ዘይኮነ ፣ ሉስሉሳት ኣጻብዕታ ሰዲዳ ፡ ን ኣብ መንጎ ኣጻብዕተይ ዝነበረ ክፍተት ውን መልኣቶ። ስጥመት ኣእዳውና ዝፈጠሮ ምቁር ዋዒ "ከም’ዚ ብፍቕሪ ተሓቛቒፍና ምዉቕ ናብራ ክንምስርት ኢና" ትብለኒ ዝነበረት ኮይኑ እናተሰመዓኒ ጠመትኩዋ ። ልክዕ ከም ኣብ ደንደስ ባሕሪ-ሃገረይ ኮይነ ዘማዕድዎ ዕራርቦ ጸሓይ ፣ ሃሳስ ብርሃን ዝዓብለሎ በለጭታ ጽባቐ ኣብ ኣዒንታ ረኣኹ [wow ክትጽብቕ’ኮ] ። ከም’ቲ ክንገብሮ ዝቐነና ፣ ኣነ ብ ስዕመት ከንፈራ ፡ ንሳ ኸኣ ብ ሙቖት ሑቕፎይ ፣ ናብ’ታ ብ ፍቕሪ ሎምን ብ ሃረርታ ጽባሕን ዝተነድቀት ዓለምና ክንከይድ ሃቂንና ኢና ብዘይቆጸራ ዝተራኸብና። ሓይሊ ጉጅምጅም ውሽጥና ዘይሰመዐ ፣ ንጉስ ናይ'ታ ምሸት ስቕታ ምመሰሎ። ነቲ ፣ ብደረጃ ሕሹኽታ ካብ መሳኹቲ መጉልሒ ድምጺ ማኪናይ ወጺኡ ዝዕጅበና ዝነበረ ድምጺ ፡ ኣቃልቦይ ሃብኩዎ ... 🎶"ካብ ትኸዲ ኣትሒዘ ክሳዕ ሎሚ ዕለት ጣዕሙ ጠፊኡኒ ናይ ናብራ መቐረት የሕልፎ'ለኹ ንመዓልቲ ከም ዓመት ናይ ደቒቕ ዕረፍቲ ዘይብሉ ቅሳነት"🎵 [ተሓቛቒፈን ብዝፈጠረኦ ሙቐት ክርህጻ ጀሚረን ንዝነበራ ኣእዳውና ፡ ክፈላሊ ትብዓት ስለ ዘይረኸብኩ ብ ጸጋመይቲ ኢደይ ፣ ዓቐን ድምጺ ወሲኸ ሰፊኑኒ ዝነበረ መንፈሳዊ ቅሳነት ፣ ሓይሊ ሙዚቃ ተሓዊሱዎ ክዓሙቕ ተፈለጠኒ።] ኣብ ፈለማ ሌላና ፥ "ንምንታይ ኢኻ ናይ ሃይለ ገብሩ ደርፍታት ትፈቱ፧" ቢላ ክትሓተኒ ኣይረሳዕኹዎን። ገና ንላለ ብምንባርና ፣ ብዛዕባ ሕሉፍ ናይ ፍቕሪ ህይወተይ ንኸዕልላ ዕድል ዝረኸብኩ ኮይኑ ስለዝተሰመዓኒ ፥ "ዘፍቅራ ነይራትኒ ። እቲ ንዕኣ ዝስመዓኒ ዝነበረ ስምዒት ክገልጾ ዓቕሚ እስእን ስለ ዝነበርኩ ፡ ሃይለ ገብሩ ብዜማታቱ ኣብ ምግላጽ ስምዒተይ ይሕግዘኒ ነይሩ። ንዕኣ እንተስኢነያ ኸኣ ኣብ ደርፍታት ሃይለ ገብሩ እእልሻ'ሞ ኣብኡ ትጸንሓኒ።!" ቢለ ከዕልላ ውን እዝክር። ክንዮ ኣፋ ጉምጽጽ ኣቢላ "ዕድለኛ’ያ!" ምባል ፣ ካልእ ዝመለሰትለይ ኣይነበረን። ሕጂ ግን ፣ እሳ "ካብቲ’ኣ" ንላዕሊ ዕድለኛ ኮይናስ እነሀት ብዘይ ሓገዝ ደርፊ ኣብ'ቲ ኣኽሊል ዘውዲ ደፊኣ እተቐመጠትሉ ውሽጠይ እረኽባ ። 🎵"ከመ’ለኺ ኮኾብ ኣዒንተይ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ደሃይ ኣጥፊእኪ ሰንፈላል ጌርክዮ ተሻቒሉ ልበይ " 🎶 ንነፍሲ ወከፍ ቃላት እዛ ጣዕመ ዜማ ብውሽጠይ እናደገምኩ ፣ ናብ ሰማይ ኣማዕድየ። እታ ፣ ኣብ ግዝኣት ልበይ ካልእ ንግስቲ ከምዝሸምኩ ፈሊጣ ዝቐንአት ትመስል ዘፍጣጥ ወርሒ ፡ ከም ሰብኣይ እንዳማታ ንክትወስድ ዘንቀደት ውሽማ ፥ ካብ ካልእ እዋን ዝያዳ ብርሃን ተለቂሓ ፡ ዶብ ኣድማስ ጥሒሳ ዝቐረበት ክሳዕ ኮይና ትስመዓኒ ተኾሊዓ : ገዚፋ ነበረት። ኣብ’ዛ ብትንግርታዊ ግርማ ዝዘቕበበት ህሞት ፡ ዝናፍቓን ክዝክራ ንዝቐነኹ ዓባየይ ወዝቢ ናብ ስእለ ኣእምሮይ መጸት። ምልእቲ ወርሒ ኣብ ዝርእየሉ ንምንታይ’የ ንዓባየይ ዝዝክር ኣይፈልጥን። ኣብ ጽፍሒ ዓንኬል ወርሒ ምስላ ለጢፈ ፣ ብ ቋንቃ መንፈስን ትዝታን ከዕልላ ስለተፍቅደለይ ዶ ይኸውን፧ እንድዕለይ ግን ን ምልኣት ናይ'ዛ ወርሒን ዕላል ምስ ዓባየይን ኣዝየ'የ ዝብህግ። [ወድሰብ ለካ ብኣካል ንዝተፈልዮ ዘይኮነ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘትረፎ እዩ ዝናፍቕ።]ኣይጸንሐን እቲ ድምጺ ውሽጠይ ፡ ብድምጺ ዓባየይ ተተኪኡ ፣ ኣብ ከቢድ ወግዒ ተጸሚደ ፣ ነታ ኣብ ጎነይ ዝነበረት "ሰብኣዊት ወርሒ" ረሳዕኹዋ። ቀውታ ጠመተኣን ጸኒሑ ዝተኻዕወ ንብዓታን ክሳዕ ምስትብሃል ዝስእን ፣ ዕላል ምስ ዓባየይ ምቁር ዕላል.... ወግዒ ኣደን-ወድን... ቀጸልኩ። 🎶"ኩሉ ብላሽ'ዩ ናይ ኮንቱነት ኮንቱ ናብራይ ብዘይካኺ ጠፊኡ መቐረቱ ናብራይ ብዘይካኺ ጠፊኡ መቐረቱ ቀትሪ ጸልማት ለይቲ ነዊሑ ሰዓቱ"🎵 ሃንደበት ፣ ምቑራር ናይ'ታ ዕርቃና ዝወጸት ኢደይ ተፈሊጡኒ ነቓሕኩ። ካብ'ታ ፣ ኣብ ሰሌዳ ሰማይ ዝነበረት ግእዝቲ ወርሒ ፡ ናብ'ታ ንግስቲ ኣድማስ ውሽጠይ ዝኾነት ጽብቕቲ ጠመትኩ። ንብዓታ ፣ ከም ዝተፈርሸሐት ቡምባ ን ብምሉእ ሜዳ ገጻ ኣዕለቕሊቑዎ ረኣኹ። ዝኸውን ዝነበረ ኣይተረደኣንን። "ከማይ ዶ ደኣ ናብ ዓባያ ገይሻ ጸኒሓ'ያ፧" ቢለ ክሓታ እናበልኩ "ትናፍቓ ኢኻ! ምሽ፧" በለትኒ ፣ ታሕቲ ታሕቲ እናጠመትት ። ከም'ዛ ምሳይ ዝጸንሐት .. ንዓባየይ ማለታ መሲሉኒ "ማራ እምበር!" በልኩዋ ። ካብ ዝነበረቶ ብድድ ድሕሪ ምባል ብ ሓውሲ ጉያ ክትስጉም ጀመረት ። ከም'ዛ ዝባዕገግኩ ፣ ካብ ምጥማት ሓሊፈ ዝገበርኩዎ ኣይነበረን። ኣብ ከባቢ ገዝኦም ብምንባርና ፣ ማዕጾ ገዝኦም ክትከፍት እርእያ ነይረ። ኣትያ ማዕጾ ቅድሚ ምዕጻዋ ናባይ ገጻ 'ቁሊሕ' በለት ፥ ናይ ስንብት ቆላሕታ ። ናይ ደሓን ኩን ቆላሕታ ። ቻው! ንዓይ ኣብዚ ገዲፋ ፣ ውሽጠይ ግን ምስኣ ሒዛቶ ከደት :: ክምለስ እንከለኹ ፣ እንታይ ከምዘጋጠመ ኣብ ምስልሳል'የ ነይረ። እንታይ እዋነይ ገዛይ ተመሊሰ ከይተረድኣኒ ፣ ነብሰይ ኣብ ደንደስ ዓራት ረኸብኩዋ ። ሞባይለይ ናይ <"መልእኽቲ ኣሎካ"> ደወል ኣስመዐት ። "ን EXካ ፣ ከምዝረሳዕኻያን ፍቕራ ከምዝወጸልካን ሓቢርካኒ ክንስኻ ፣ ካባይ ድላይካ ምስ ረኸብካ ፡ ፍቕርኻ እናሃረፍኩ ፡ ከም ትናፍቓ ክትነግረኒ እንከለኻ ፣ ኣብ ውሽጠይ "ሽዋሕዋሕ" ዝብል ድምጺ ሰሚዕኻ ዶ፧ ድምጺ ዝተሰብረት ልቢ። ዝሰበርካያ ልበይ ፣ ክሳዕ ትጽገን ፣ ዘሕልፎ ስቅያት የፍርሓኒ'ኳ እንተኾነ ግን ክኽእሎ'የ። ጽቡቕ ህይወት እምነየልካ! ኣዝየ ከፍቅረካ ክኢለ ከምዝነበርኩ ፍለጥ።" .. እዚ ምስ ነበብኩ ፣ ዝኾነ ኩሉ ስለዝበረሃለይ ብቕልጡፍ ንኸረድኣ ሞባይለይ ክሳዕ ባትሪ ትውድኣኒ ክድውል ፈተንኩ። ክረኽባ ኣይከኣልኩን .. ድሮ BLOCK ገይራትኒ ... 🎶"ድምጽኺ ክሰምዕ ቴለፎን ደዊለ የላን ኢሎምኒ ብዙሕ ተሻቒለ ፍጹም ኣይከኣልኩን ምዝራብ ስኢነ ንብዓት ዓይነት ማንታ ማንታ 'ናወረረ"🎵 #charitey #eritreantiktok🇪🇷🇪🇷habesha #ሙዚቃ_ኣድማሳዊ_ቃንቃ🇪🇷🎬 #Fyp #eritreantiktok #habeshatiktok #fypシ゚ #Eritrean #Eri #Fyp#Haile_Gebru__kemey_Aleki 💔🎼 ዋጋ ጌጋ ርድኢት! Sound Effects Free Download. Sound Effects Downloader To Help You Download The Highest Quality #Haile_Gebru__kemey_Aleki 💔🎼 ዋጋ ጌጋ ርድኢት! Sound Effects Free Download For TikTok Videos. You Just Search Sound Effects And Download.